ምክትታልን ብዘይ ምኽንያትብኲራትን

ምክትታል ትምህርቲ፥ ብኲራትን ብዘይ ምኽንያት ምብኳርን

Becca Billዝበሃል ሕጊ መንግስቲ ዋሺንግተን ኲሎም ቈልዑ ዕድሚኦም ካብ 8-18 ዝኾኑ ትምህርቶም ብስነስርዓት ክከታተሉ ይድንግግ እዩ። ኲሎም ወለዲ ወይ ሕጋዊ ሓላፍነት ዝወሰዱ ሰባት ደቆም መኣዲ ትምህርቲ መታን ክከታተሉ ዝግባእ ኲሉ ክፍጽሙ ይሓትት እዩ።ተመሃሮ ኣብ ህዝባዊ ኣብያት ትምህርቲ፡ ግላዊ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ገዛ-ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ይምልከትብቑዕ ምኽንያት እንተዘይብሎም፣ ተመሃሮ ምሉእ-መዕላቲ፣ መዓልታዊ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ክህልዉ ሕጊ ይጠልብ። እንድሕሪ ሓደ ተመሃራይ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ካብ ክፍሊ ዝቦኲር ኮይኑ እዚ ተመሃራይ ከም “ብዘይ ምኽንያት ዝቦኾረ” ክቚጸር ይኽእል እዩ ሓደ ተመሃራይ ብዘይ ምኽንያት እንተቦኺሩ፡ ኣብያተ ትምህርቲ እዚ ዝስዕብ ክገብራ ይግብአን

  • ንቤተሰብ ይሕብራ
  • ምስ ወለዲን ተማሃራይን ብምኻብ ምኽንያት ብኲራት ይሓታ
  • ምክትታል ተመሃራይ ንምምሕያሽ ዝተፈላለየ ስትራቴጂ ይጥቀማ

እዚ እንድሕሪ ምስራሕ ኣብዩ ወለዲ ተመሃራይ ናብ Community Truancy Board ወይ ቤት ፍርዲ ከም ዝውከሱ ክግበር ይከኣል።እንድሕሪ ሓደ ተመሃራይ ብብዝሒ ካብ ቤት ትምህርቲ ቦዂሩ ዝበረሉ ምክንያት ዋላ ብቑዕ ይዂን እታ ቤት ምህርቲ ስለምንታይ ከም ዝቦ ምስ ወለዲ ክትዘራረብን ብስሩዕ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድን ንምሕጋዝ ውጥን ክትሕንጽጽን ይሕግዛ።  እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ደጋጊምካ ምብኳር ወይሕዱር ብኲራትተመሃራይ ዘድሊ ስጒምቲ ንኸይገብር ይዓግቶ እዩ። ምናልባት እቲ ተመሃራይ ዘድሊ ሓገዛት ይረክብ ዘይምህላዉ ምልክት ክከውን ይኽእል እዩብዛዕባ ምብኳር ቤት ትምህርቲ ክንዛረብ እንከሎና ብዙሕሒደት ክመስል ይኽእል እዩ ዋላውን ኣብ ወርሒ 2 መዓልታት ጥራይ ተደሚረን ዓብዪ ጒድኣት ከስዕባ ይኽእላ እየን

ንውሉድካ ናብ ቤት ትምህርቲ መዓልታዊ ምብጻሕ ብድሆ ዝዀነካ ኮይኑ ቤት ትምህርቲ ንሽግርካ ብምርዳእ ብሰዓቱ መዓልታዊ ምሉእ መዕልቲ ክከታተለሉ ዝኽእል ሓድሽ ኣገባብ ብምቕራብ ንውሉድካ ክሕግዝ ይኽእል እዩ።  ናይ ሓደ ተመሃይ ቀጻሊ ብኲራት እንታይ ከምዘጋጥሞ እንድሕር ክትፈልጥ ደሊኻ፣ ከምኡ’ውን ስሩዕ ምክትታል ክትክታተል ሓሳባት እንተ ደሊኻ OEO's FAQs ርአ። እንድሕሪ ሽግር ምክትታል ንምፍታሕ ዝያዳ ሓገዝ ደሊኻ ብኽብረትካ ናብዚ ደውል!! ብጽሓና መርበብ ሓበሬታና ኣብ www.oeo.wa.govወይ ኣብ 1-866-297-2597 ደውል።

ሕጊ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ እንታይ ይጠልብ?

  • ወለዲ ብዛዕባ ሕጊታት ምክትታል ክፈልጡን ነዚ ሕጊ ከም እተቐበልዎ ዘመልክት ክታምን ተቐበል
  • ነፍሲ ወከፍ ተመሃራይ ዝበረሉ ግዜ ንወለዲ ኣፍልጦም
  • ምክንያት ንኽትፈልጥ ምስ ተመሃራይን ወለዲን ተራኸብ፣
  • ምክትታል ተመሃራይ ንምምሕያሽ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂታት ተጠቐም፣ ከምኡ’ውን ንገለ ጉዳያት፣
  • ተመሃራይ ከምኡ’ውን/ወይ ወላዲ ናብ ማሕበረሰብ ብዘይምኽንያት ብኲራት ቦርድ (Community Truancy Board) ወይ ቤትፍርዲ ኣሕልፍ

ሕጊ ካብ ተመሃሮ እንታይ ይጠልብ?

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ
  • ኣብ ግዜ
  • መዓልታዊ እዂል ምኽንያት እንተ እንተ ኣሎካ