መፍትሒ ግጭት ናይ ፍሉይ ትምህርቲ

መፍትሒ ግጭት ናይ ፍሉይ ትምህርቲ

ሰነ፣ 2024 ዝተመሓየሸ

ምስቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ምስ ኣውራጃ ተራኺብካ፣ ሽምግልና ምሕታት፣ ጥርዓን ምቕራብ ወይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ክግበር ምኻሳስ።

ንስንክልና ዘለዎ ተማሃራይኩም ክትጣበቑ ከለኹም፣ ገዛእ ርእስኹም ምስቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ዘይትሰማማዕ ኮይና ክትረኽቡዋ ትኽእሉ ኢኹም። እንተተኻኢሉ ምስ ኣባላት ጉጅለ Individualized Education Program (IEP, ውልቃዊ መደብ ትምህርቲ) ወይ ካልኦት ሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ብምዝርራብ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ምፍታን ጽቡቕ ሓሳብ እዩ። እቲ ኣገባብ’ቲ እንተዘይሰሪሑ፣ ነቶም ግርጭታት ንምፍታሕ ዝሕግዙ ብዙሓት ብሕጊ ዝተዳለዉ ሜላታት ኣለዉ።

ወግዓዊ ኣገባባት ጥርዓን፣ ሽምግልና ከምኡ ውን ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ንወለድን ኣብያተ ትምህርትን ብዛዕባ ፍሉይ ትምህርቲ ንዘጋጥም ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ይቐርብ፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ዘይምርድዳእ የጠቓልል:

  • ሓደ ተማሃራይ ስንኩል ምዃኑ ምልላይ
  • ንሓደ ተማሃራይ ገምጋም ምግባር
  • ኣወሃህባ ኣገልግሎት ፍሉይ ትምህርቲ
  • ትምህርታዊ ምደባ ናይ ሓደ ቆልዓ።

ጥርዓናት

ብዛዕባ መደብ ፍሉይ ትምህርቲ (Individuals with Disabilities Education Act (IDEA, ሕጊ ትምህርቲ ስንኩላን ውልቀሰባት) ወይ 504) ናይ ሓደ ተማሃራይ ዘይምርድዳእ እንተሃልዩ ክልተ ወግዓውያን መስርሓት ጥርዓን ኣለዉ።

  1. ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን ናብ ግዝኣት ዋሺንግተን Office of the Superintendent of Public Instruction።

ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ሕብረተሰብ ጥርዓን እንታይ እዩ?

ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን፣ ማለት ቀደም ጥርዓን ዜጋታት ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ኣብ መንጎ ተማሃሮን ኣውራጃታትን ንዝህሉ ዘይምርድዳእ ብናይ ደገ ትካል ክፍታሕ ዝሕግዝ መንገዲ እዩ። ናይ ማሕበረሰብ ጥርዓናት ናብ Office of the Superintendent of Public Instruction (OSPI, ቤት ጽሕፈት ኣካያዲ ህዝባዊ ትምህርቲ) ክቐርብ ኣለዎ፣ እዚ ድማ ሓደ ሰብ ንሓደ ናይ ትምህርቲ ኣካል (እንተላይ ናይ ግዝኣት፣ ናይ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ፣ ወይ መንግስታዊ ወይ ናይ ግሊ ቤት ትምህርቲ ዘጠቓለለ) ናይ IDEA ወይ ንመምርሒታት ናይ ግዝኣት ፍሉይ ትምህርቲ ጠለባት ከም ዝጠሓሰ ምስ ዝኣምን እዩ።

መን እዩ ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን ከቕርብ ዝኽእል?

ዝኾነ ሰብ ወይ ትካል ኣብ Office of the Superintendent of Public Instruction ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል።

እቶም ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን ረቛሒታት እንታይ እዮም?

እቲ ጥርዓን:

  • ናይ ግድን ብጽሑፍ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ
  • ናይ ግድን በቲ ነቲ ጥርዓን ዘቕርብ ዘሎ ሰብ ክፈርም ኣለዎ
  • ናይ ግድን እቲ ትካል ትምህርቲ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ ዓመት፣ ሕጊ ፍሉይ ትምህርቲ ከም ዝጠሓሰ ዝገልጽ መግለጺ ከጠቓልል ኣለዎ
  • ናይ ግድን ነቲ ግህሰት ዘብርህ ሓቅታት ከቕርብ ኣለዎ
    • ናይ ግድን ስምን ኣድራሻን ናይቲ ነቲ ጥርዓን ዘቕርብ ዘሎ ሰብ ክዝርዝር ኣለዎ ከምኡ'ውን
    • ናይ ግድን ስምን ኣድራሻን ናይቲ ትምህርታዊ ኣካል ክዝርዝር ኣለዎ።

እቲ ጥርዓን ብዛዕባ ሓደ ፍሉይ ተማሃራይ እንተኾይኑ፣ እቲ ጥርዓን ነዞም ዝስዕቡ'ውን ከጠቓልል ኣለዎ:

    • ስም ናይቲ ተማሃራይ
    • ስም ናይ’ቲ ተማሃራይ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ
    • መግለጺ ናይቲ ነቲ ተማሃራይ ዝጸሉ ዘሎ ጉዳይ
    • ዝተኣመመ መፍትሒ ናይቲ ጸገም።

ናይ ማሕበረሰብ ጥርዓን ንምቕራብ ዝሕግዝ ቅጥዒ ኣበይ ክርከብ ይኽእል?

OSPI፣ ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን ኣብ እተቕርቡሉ እዋን ክትጥቀሙሉ እትኽእሉ ኣማራጺ ቅጥዒ ፈጢሩ ኣሎ። እቲ ቅጥዒ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ይርከብ፣ https://ospi.k12.wa.us/student-success/special-education/dispute-resolution/file-community-complaint

ኣበይ ጽልዋ ክትፈጥሩ ትኽእሉ?

ናይ ማሕበረሰብ ጥርዓን ከተቕርቡ ከለኹም፡ ነቲ እዋናውነት ብጥንቃቐ ምክትታልኩም ኣረጋግጹ። OSPI ወይ እቲ ናይ ትምህርቲ ኣካል ኣብ ውሽጢ እቲ ዝግባእ ናይ ግዜ ገደብ ክሰርሕ እንተዘይክኢሉ፣ ካልእ ጥርዓን ንምቕራብ ምኽንያታት ኣለኩም።

እቶም መዛግብቲ ብቐሊሉ ክትውከስዎም ክትክእሉ ምእንቲ፣ ቁጽሪ ገጽ ዘለዎም ገጻት ኣገደስቲ መዛግብቲ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ጥርዓንኩም ከም ዘካተትኩም ኣረጋግጹ።

ናይ ፍሉይ ትምህርቲ ማሕበረሰብ ጥርዓን ምስ ቀረበ እንታይ የጋጥም?

ሓንሳብ እቲ ጥርዓን ንOSPI ምስ በጽሖ፣ ናይ ግድን ቅዳሕ ናይቲ ጥርዓን ናብቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ክሰድድ ኣለዎ። እቲ ጥርዓን ካብ ዝተቐበለሉ ኣብ ውሽጢ 20 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ነቲ ጥርዓን ክምርምሮ ከምኡ ውን ንOSPI ብጽሑፍ መልክዕ መልሲ ክህብ ኣለዎ። OSPI ድማ ቅዳሕ ናይቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ መልሲ ክሰደልኩም እዩ። ብድሕሪኡ ድማ ንስኹም ብዛዕባ እቲ ጥርዓን ተወሳኺ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ኣማራጺ ክህልወኩም እዩ።

OSPI ናይ ግድን፣ እቲ ትካል ትምህርቲ ናይ ፌደራል ወይ ግዝኣት ሕጊ ፍሉይ ትምህርቲ ይጥሕስ ኣሎ ድዩ ኣይጥሕስን ኣሎ ዝብል ዘየሻሩ ውሳነ ብጽሑፍ መልክዕ ኣብ ውሽጢ 60 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ክህብ ኣለዎ። እቲ ውሳነ ናይ ግድን፣ ነቲ ጥርዓን ንምፍታሕ ዝሕግዙ ርኽበታት መርትዖ ከምኡ ውን ርትዓዊ ስጉምትታትን ከጠቓልል ኣለዎ። እዚ ሰደቓ-እዋን ክናዋሕ ይኽእል እዩ፣ እንተደኣ:

1) ምስቲ ጥርዓን ዝተኣሳሰር ብፍሉይ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ኩነታት እንተሃልዩ ወይ

2) እቲ ጥርዓን ዘቕረበን ትካል ትምህርትን ሽምግልና ወይ ካልእ ኣገባብ ኣፈታትሓ ግርጭት ንምጥቃም ነቲ ሰደቓ-እዋን ንምንዋሕ ብጽሑፍ መልክዕ እንተተሰማሚዖም።

ድሕሪኡ፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ዝምከር ኣራሚ ስጉምቲ ንምፍጻም ነቲ ኣብ ናይ OSPI ዝተጻሕፈ ውሳነ ብወግዒ ቅቡል ዝኾነ ሰደቓ እዋን ክኽተል ኣለዎ። እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ብእኡ እንተዘይተኸቲሉ፣ OSPI ነቲ ኣውራጃ ምምዋል ደው ከብሎ ወይ ካልእ መፍትሒታት ክእዝዝ ይኽእል።

እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ንሓደ ስንክልና ዘለዎ ተማሃራይ ግቡእ ኣገልግሎታት ከምዘይሃበ እንተተወሲኑ፣ OSPI ናይ ግድን:

  • እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ነቲ ነፊግዎ ዝሓለፈ ኣገልግሎታት ብኸመይ ክኽሕስ ከም ዘለዎ፣ እንተላይ ገንዘብ ምኽፋል ወይ ንጠለባት ናይቲ ተማሃራይ ንምምላእ ገለ ካልእ ኣራሚ ስጉምቲ ምውሳድ ዘጠቕለለ ክውስን ኣለዎ
  • ኣብ መጻኢ ንኹሎም ስንክልና ዘለዎም ተማሃሮ ዝወሃብ ኣገልግሎታት ፍታሕ ንምሃብ ኣቓልቦ ምግባር።

ብዛዕባ ናይ OSPI ጥርዓን ማሕበረሰብ ዝያዳ ሓበሬታ ኣበይ ክረክብ ይኽእል?

  1. https://ospi.k12.wa.us/student-success/special-education/dispute-resolution/file-community-complaint
  2. ናብ Office of Civil Rights for the Department of Education ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝግበር ጥርዓን ናይ ሲቪላዊ መሰላት

ጥርዓን ናይ ሲቪላዊ መሰላት እንታይ ማለት እዩ?

ዓንቀጽ 504 ኣብ ኩሎም ናይ ፌደራላዊ ምወላ ዝቕበሉ መደባት ኣብ ስንክልና ዝተመርኮሰ ኣድልዎ ንምውጋድ ዝዓለመ ጸረ ኣድልዎ ሕጊ እዩ። ህዝባዊ ኣብያተ ትምህርትን ኣውራጃታትን ናይ ፌደራል ገንዘብ ስለዝቕበላ፣ ንጠለባት ናይ ዓንቀጽ 504 ተገዛእቲ እየን።

Office for Civil Rights (OCR, ቤት ጽሕፈት ሲቪላዊ መሰላት) ኣመሪካ ናይ Department of Education (ሚኒስትሪ ትምህርቲ) ኣመሪካ፣ ናይ ዓንቀጽ 504 ሓለዋ ኣብ ተግባር ከም ዝውዕል ዝገብር ከምኡ ውን ጥርዓናት ንምጽራይ ሓላፍነት ዝስከም እዩ።

መን እዩ ናይ ሲቪላዊ መሰላት ጥርዓን ከቕርብ ዝኽእል?

ሓደ ስንክልና ዘለዎ ተማሃራይ ምስቲ እቶም ስንክልና ዘይብሎም መዛኑኡ ካብ ሓደ መደብ ዝረኽብዎ ጥቕሚ ብምንጽጻር ትምህርታዊ ጥቕሚ ኣብ ዘይረኽበሉ እዋን፣ ዝኾነ ሰብ ናብ Office of Civil Rights ኣመሪካ ጥርዓን ከቕርብ ይኽእል። ንኣብነት፣ ሓደ ናይ ባህሪ ስንክልና ዘለዎ ተማሃራይ፣ ንሱ ወይ ንሳ ኣብ ናይ ዓውዲ ዑደት ክኸይድ ከምዘይክእልን ዝተረፉ ተማሃሮ ናይታ ክፍሊ ኣብ ናይ ዓውዲ ዑደት ኣብ ዘለዉሉ እዋን ኣብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ መምህር ክጸንሕ ከምዘለዎን ምስ ዝሕበር እዩ። ብተወሳኺ ናይ OCR ጥርዓናት፣ ንናይ ምርካብ ጉዳያት ከጠቓልል ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት፣ ብዓረብያ ስንኩላን ንዝኸይድ ቆልዓ መደየቢ ከቕርብ ዘይምኽኣል ወይ’ውን ኣውራጃ ኣብ ውጥን 504 ናይ ሓደ ተማሃራይ ክካተት ዝግበኦ ወይ ክካተት ዘለዎ መሳሰዪ ወይ ኣገልግሎታት ከቕርብ ዘይምኽኣል።

ናይ ሲቪላዊ መሰላት ጥርዓን ንምቕራብ ዘድልዩ ረቛሒታት እንታይ እዮም?

ናይ ሲቪላዊ መሰላት ጥርዓን ካብቲ ኣድልዎ ዝተፈጸመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 180 መዓልታት (6 ኣዋርሕ) ክቐርብ ኣለዎ። እቲ ጥርዓን እዞም ዝስዕቡ ከጠቓልል ይግባእ:

        ናይቲ ነቲ ጥርዓን ዘቕርብ ዘሎ ሰብ ስም፣ ኣድራሻን ቁጽሪ ተሌፎንን

        ስም፣ ኣድራሻን ቁጽሪ ተሌፎንን ናይቲ ኣድልዎ ዝወረዶ ሰብ(ሰባት)

        ስምን ኣድራሻን ናይቲ ኣድልዎ ዝገበረ ቤት ትምህርቲ፣ ኣውራጃ ወይ ሰብ

        መሰረት ናይ ኣድልዎ (ዓሌት፣ ስንክልና፣ ሃገራዊ መበቆል ወዘተ)

        እቲ ኣድልዎ መዓስን ኣበይን ተፈጺሙ

        መርትዖታት ናይቲ ኣድልዎ ከምኡ ውን

        ቅዳሓት ናይ ብጽሑፋዊ መልክዕ ዝቐረቡ ነገራት፣ መረዳእታ፣ ወይ ካልእ ነቲ ጥርዓን ዝድግፉ ሰነዳት።

ናይ OCR ሲቪላዊ መሰል ጥርዓን ኣበይ እዩ ዝቐርብ?

ናብ OCR ጥርዓን ንምቕራብ፣ ነቲ ኣብ: https://www2.ed.gov/about/offices/list/ocr/complaintintro.html ዝርከብ ኤሌክትሮኒካዊ ናይ ጥርዓን ቅጥዒ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም

ወይ ድማ ክምላእ ዝኽእል ቅጥዒ ኣብዚ ዝስዕብ ኣድራሻ ምልኣዮ: https://www2.ed.gov/about/offices/list/ocr/complaintform.pdf

ነቲ ክምላእ ዝኽእል ቅጥዒ ክትመልእዎ ወይ ናይ ገዛእ ርእስኹም ደብዳበ ክትጽሕፉ ትመርጹ ትኹኑ፣ ጥርዓንኩም ብኢመይል OCR.Seattle@ed.gov ወይ ብፋክስ ናብ (206)607-1601 ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ ጥርዓንኩም ብኢመይል ናብዚ ዝስዕብ ክትሰዱ ትኽእሉ ኢኹም:

Office for Civil Rights

U.S. Department of Education

915 2nd Avenue #3310

Seattle, WA 981074-1099.

ጥርዓን ሲቪላዊ መሰላት ምስ ቀረበ እንታይ የጋጥም?

OCR ኣብቲ ጥርዓን ዘሎ ሓበሬታ ዳግም ይግምግም ከምኡ ውን እቲ ጥርዓን ብተወሳኺ ክምስራሕ ኣለዎ ድዩ የብሉን ይውስን። ነቲ ጥርዓን ናይ ምምርማር ስልጣን ኣለዎ እንተኾይኑ ናይ ግድን ይውስን ከምኡ ውን እቲ ጥርዓን ኣብ እዋኑ ክቐርብ ኣለዎ ድዩ የብሉን ክውስን ኣለዎ። ጥርዓን ካብቲ ዝተባህለ ተግባር ኣድልዎ ዝተፈጸመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 180 መዓልቲ ክቐርብ ኣለዎ።

OCR ከም ኣካል ናይቲ መስርሕ ኣብ ናይ ፍቓድ ቅጥዒ ክትፍርሙ ክሓተኩም እዩ። እዚ ቅጥዒ’ዚ ካብቲ ክትፍርሙ ዝተሓተትክምሉ እዋን ክሳብ መበል 15 መዓልቲ እንተዘይመጺእኩም፣ OCR ብኢመይል ወይ ብተሌፎን ክረኽበኩም’ዩ፣ ከምኡ ድማ ነቲ ቅጥዒ ንኽትፍርምዎ 5 መዓልታት ጥራይ ከም ዘለኩም ክሕብረኩም’ዩ። ተወሳኺ ሓበሬታ ክትህቡ ውን ክትሕተቱ ትኽእሉ ኢኹም። ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድኣ ኣድልዩ፣ OCR ነቲ ዝተሓተተ ሓበሬታ ንኸትቕርቡ እንተወሓደ 20 መዓልታት ክህበኩም ኣለዎ።

OCR መርመራ ጌሩ ምስ ወድአ፣ እቲ መርትዖ ጥሕሰት ከም ዘጋጠመ ዝድግፍ ድዩ ኣይኮነን ዝገልጽ ውጽኢት ዝሓዘ ደብዳበ ንስኹምን እቲ ኣውራጃን ክትቅበሉ ኢኹም። OCR፣ እቲ ኣውራጃ ነቲ ሕጊ ከምዘይተኸተለ እንተፈሊጡ፣ እቲ ኣውራጃ ብወለንታኡ ናይ መፍትሒ ስምምዕ ክኣቱ ፍቓደኛ እንተኾይኑ ንምርኣይ ነቲ ኣውራጃ ክረኽቦ እዩ። እቲ ኣውራጃ ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ እንተዘይተሰማሚዑ፣ OCR ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል፣ ንኣብነት ነቲ ጉዳይ ናብ ክፍሊ ፍትሒ ምቕራብ።  

ሓደ ኣውራጃ፣ ንሓደ ተማሃራይ ግቡእ ናይ ትምህርቲ ተመኩሮ ናይ ምርካብ መሰሉ ይጥሕስ ኣሎ ኢልኩም እንተሓሲብኩም፣ ጥርዓን ምቕራብ ኣብ ግምት ኣእትዉ።

ሽምግልና

ሽምግልና እንታይ እዩ?

ሽምግልና፣ ዓይነት ኣፈታትሓ ግርጭት እዩ። ብመሰረት IDEA፣ ግዝኣታት ብዛዕባ መደብ ፍሉይ ትምህርቲ ናይ ተማሃራይ ንዝፍጠር ግርጭታት ንምፍታሕ ዝዕለመ፣ ንወለዲ/ኣለይቲ ከምኡ ውን ቤት ትምህርቲ ኣውራጃታት ነጻ ናይ ሽምግልና ኣገልግሎታት ክህባ ይግደዳ።

እቲ መስርሕ ሽምግልና ነቲ ቤት ትምህርትን ወላድን ወይ ኣላዪን ምስ ሓደ ገለልተኛ ሳልሳይ ሰብ—ማለት እቲ ዝሽምግል ሰብ የራኽቦም። እቲ ሸምጋሊ ምስ ክልቲኦም ወገናት ብምርኻብ ኣብ ትምህርታዊ ድሌታት ናይቲ ተማሃራይ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ቅቡል ስምምዕ ክበጽሕ ይፍትን። እቲ መስርሕ ወለንታዊ ስለዝኾነ፣ ወላዲ ወይ ኣላዪ ከምኡ ውን ቤት ትምህርት ኣውራጃ ንኽሳተፉ ክሰማምዑ ኣለዎም። ሽምግልና ንሓደ ተማሃራይ ዝወሃብ ኣገልግሎት ንምምሕያሽ፣ ግርጭት ንምፍታሕን ኣብ መንጎ ቤት ትምህርትን ወላዲ ወይ ኣላዪን ዘሎ ዝምድና ንምጽጋንን ብሉጽ መገዲ ክኸውን ይኽእል።

ሽምግልና ዕዉት እንተኾይኑ፣ ተኸራኸርቲ ወገናት ነቲ ውሳነ ዝገልጽ ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ይፈርሙ። ነቲ ውዕላት ናይቲ ስምምዕ ምፍጻም ኣብቲ ቤት ትምህርትን ወላድን ወይ ኣላዪን እዩ ዝምርኮስ። ሓንሳብ ናይ ሽምግልና ውዕል ስምምዕ ምስተገብረ፣ እቲ ሸምጋሊ ካብቲ ጉዳይ ይወጽእ ከምኡ ድማ ክልቲኦም ወገናት ዝኾነ ነገር ክገብሩ ከገድዶም ዓቕሚ የብሉን። ብዛዕባ እቲ ናይ ሽምግልና ስምምዕ ዝምልከት ግርጭት እንተተላዒሉ፣ እቲ ወላዲ ወይ ኣላዪ ኣብ ናይ ግዘኣት ወይ ፌደራል ቤት ፍርዲ ክትግበር ክሓትት ይኽእል። ሓድሽ ወይ ዝተፈለየ ግርጭት እንተተላዒሉ፣ እቲ ወላዲ ወይ ኣላዪ ወይ ኣውራጃ ኩሉ እቲ ብመሰረት ሕጊ ዝርከብ ዓይነት ኣፈታትሓ ግርጭት ክጥቀሙ ይኽእሉ

ሽምግልና ክግበር ንዝቐርቡ ሕቶታት ናብ Sound Options ክቐርቡ ኣለዎም። ሕቶኹም ብጽሑፍ ወይ ብተሌፎን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም። ክልቲኦም ወገናት ንSound Options ክረኽብዎ ይኽእሉ እዮም ንሳቶም ድማ ነቲ ካልእ ወገን ክረኽብዎ እዮም። ንSound Options ብ 1-800-692-2540 ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ናይ ጥብቅና ምኽሪ

ኣብ ሽምግልና ክትሳተፉ ምፍቃድ፣ ዳሕራይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ካብ ምሕታት ኣይዓግተኩምን እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን መስርሕ ሽምግልና ደው ከተብሉ ትኽእሉ ኢኹም፣ ከምኡ ውን ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ክትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እቲ እንኮ ድሩትነት ኣብቲ ድሒሩ ዝግበር መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ኣብ መስርሕ ሽምግልና ዝተኻየዱ ዝርርባት ከም መርትዖ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣይክእሉን እዮም። እንተኾነ ግን እቲ ብጽሑፍ መልክዕ ዝተዳለወ ናይ ሽምግልና ስምምዕ ከም መርትዖ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ይኽእል እዩ።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ እንታይ እዩ?

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ልክዕ ከም መጋባእያ ቤት ፍርዲ፣ ወግዓዊ ምምሕዳራዊ ሕጋዊ ኣገባብ እዩ። ወላዲ ወይ ኣላዪ ከምኡ'ውን ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ነፍሲ ወከፎም መርትዖታትን መሰኻኽርን ከቕርቡን ብተጻራሪ ወገን ዝቐረቡ መሰኻኽር መስቀላዊ መርመራ ክገብሩን ዕድል ኣለዎም።

ሓደ ናይ መጋባእያ ሓላፊ ኣብ ጭብጥን ሕግን ተመርኲሱ ብጽሑፍ መልክዕ ውሳነ ይህብ።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ንምግባር ጠበቓ የድልየኒ ድዩ?

ኣይፋል፣ እንተደሊኹም ግን ብጠበቓ ክትውከሉ መሰል ኣለኩም።

ወላዲ ወይ ኣላዪ ናይ ሓደ ስንክልና ዘለዎ ተማሃራይ ኣብ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ብጠበቓ ክምከር ወይ ክውከል ይኽእል እዩ። ጠበቓ ምግባር ግዴታ ኣይኮነን፣ ከምኡ ውን ብዘይ ጠበቓ ኣብ ዝግበር መጋባእያ ዕዉት ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም። መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ጠበቓ ወይ ካልእ ኣፍልጦ ዘለዎ ሰብ ምምኽኻር ነቲ መጋባእያ ፍርዲ ንምሕታትን ንምድላውን ሓገዝ ምርካብ ጽቡቕ ሓሳብ እዩ።

ብኸመይ ግቡእ መስርሕ መብባእያ ክግበር ክሓትት ይኽእል?

እቲ ሕቶ ብጽሑፍ መልክዕ ናብ Office of Administrative Hearings (ቤት ጽሕፈት ምምሕዳራዊ መጋባእያ ፍርዲ) ኣቕርቡ ከምኡ ውን ንቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ኣፍልጡ።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ንምግባር ዝቐርብ ሕቶ ብጽሑፍ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ ከምኡ'ውን እዞም ዝስዕቡ ሓበሬታታት ክሕዝ ኣለዎ:

  • ስምን ኣድራሻን ናይቲ ተማሃራይ
  • እቲ ተማሃራይ ዝሳተፈሉ ኣውራጃን ቤት ትምህርትን
  • እቲ ፍሉይ ኣገልግሎታት ትምህርቲ ናይ ምሃብ ሓላፍነት ዘለዎ ኣውራጃ፣ ካብቲ ሓደ ተምሃራይ ዝመሃረሉ ኣውራጃ ዝተፈለየ እንተኾይኑ
  • ናይ’ቲ ወላዲ ስክፍታታት መብርሂ
  • ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ዘለኩም ሓሳባት።

ቅዳሕ ናይቲ መጋባእያ ክግበር ዘቕረብክሞ ሕቶኹም ናብዚ ዝስዕብ ብፖስታ ለኣኽዎ ወይ ኣብጽሕዎ:

Office of Administrative Hearings

P.O. Box 42489

Olympia, WA 98504

ከምኡ’ውን ነቲ ኦሪጅናል መጋባእያ ክግበር ዝቐረበ ሕቶ ናብቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ፣ ናብቲ ኣካያዲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ከተብጽሕዎ ኣለኩም ወይ ብፖስታ ክትልእክዎ ኣለኩም። ንዓኹም ዝኸውን ቅዳሕ ምሓዝ ኣይትረስዕ!

OSPI፣ ወለዲ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ክሓቱ ከለዉ ዝሕግዞም ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ መሕተቲ ቅጥዒ ኣዳልዩ ኣሎ። እቲ ቅጥዒ ኣብዚ ዝስዕብ መርበብ ሓበሬታ ይርከብ፣ https://ospi.k12.wa.us/student-success/special-education/dispute-resolution/request-due-process-hearing

መጋብእያ ፍርዲ ክግበር ኣብ ምሕታት ዘለዉ ድሩትነታት እንታይ እዮም?

እቲ ናይ መጋባእያ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዘጋጠመ ጥሕሰት ወይ ጉዳይ ዝምልከት ክኸውን ኣለዎ። ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ንምርካብ ዝቐርብ ሕቶ፣ ካብዞም ዝስዕቡ ክልተ ቅድመ ኩነት ሓደ እንተተማሊኡ፣ ቅድሚ ልዕሊ ክልተ ዓመት ንዝተፈጸመ ጥሕሰት መፍትሒ ክህብ ይኽእል:

  1. እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ነቲ ጸገም ፈቲሐዮ እየ ኢሉ ግጉይ መግለጺ ስለዝሃበ፣ እቲ ወላዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ከይሓትት ተኸልኪሉ እንተ ኔሩ

ወይ

  1. እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ብሕጊ ከካፍሎ ዝግደድ ሓበሬታ ስለ ዝሓብአ፣ እቲ ወላዲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ከይሓትት ተኸልኪሉ እንተ ኔሩ።

መጋባእያ ንኽግበር ዝቐርብ ሕቶ ዝምልከቱ ኩሎም ሓደ ወላዲ ክህልውዎ ዝኽእሉ ጉዳያትን ስክፍታታትን ክዝተየሎም ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓንሳብ እቲ ሕቶ ምስ በጽሐ፣ እቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ብጽሑፍ መልክዕ ምስ ዝሰማማዕ ወይ እቲ ናይ መጋባእያ ሓላፊ ክመሓየሽ ይኽእል እይ ኢሉ እንተተሰማሚዑ ጥራይ እዩ ክቕየር ዝኽእል ከምኡ’ውን እቲ ሰደቓ እዋን ናይቲ መፍትሒ ክፍለ ግዜ (ኣብ ታሕቲ ተመልከቱ) ከም ብሓድሽ ይጅምር።

ከምኡ እውን ብመሰረት IDEA፣ እቲ ካልእ ወገን እንተዘይተሰማሚዑ፣ ኣብቲ መጋባእያ ክግበር ዝቐርብ ሕቶ ወይ እቲ ሕቶ ክመሓየሽ ከሎ ዝተልዓሉ ጉዳያት ጥራሕ እዮም ኣብቲ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ክፍትሑ ዝኽእሉ። ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ክግበር ንኽትሓቱ ጠበቓ ክህልወኩም ግዴታ እኳ እንተዘይኮነ፣ ኩሎም ስክፍታታትኩም ከም ዝተለዓሉ ንምርግጋጽ፣ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ንኽግበር ዝቐርብ ሕቶ ክትነድፉ ከለኹም ጠበቓ ምውካስ ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ንኽግበር ሕቶ ምስ ኣቕረብኩ እንታይ የጋጥም?

እቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ናይ ግድን ክምልስ ኣለዎ።

እቲ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ናይ ግድን፣ ነቲ ጥርዓን ካብ ዝተቐበለሉ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት መልሲ ክህበሉ ኣለዎ። እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ስለምንታይ ነቲ ዝወሰዶ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ፣ እታ ጉጅለ IEP እንታይ ካልእ ኣማራጺታት ኣብ ግምት ከም ዘእተወትን፣ ስለምንታይ ከም ዝተነጸጉን፣ ከምኡ ድማ መግለጺ ናይቲ እቲ ኣውራጃ ውሳነ ኣብ ምሃብ ዝተኣማመነሉ ሓበሬታን ሓበሬታ ብዛዕባ ዝኾነ ካልእ ምስ ውሳነ ናይቲ ኣውራጃ ዝዛመድ ረቛሒታትን ናይ ግድን ክገልጽ ኣለዎ። እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ጥርዓን ዘሎ ርእሰ ነገር ኣቐዲሙ ብጽሑፍ መልክዕ ምልክታ ናብ ወላዲ እንተሰዲዱ፣ መልሲ ምሃብ ኣየድልዮን እዩ።

ናይ መፍትሒ ክፍለ ግዜ እንታይ እዩ?

ናይ መፍትሒ ክፍለ ግዜ፣ ድሕሪ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ክግበር ሕቶ ምቕራቡ፣ ግን ከኣ ቅድሚ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ምትግባሩ ዝፍጸም ኣኼባ እዩ።

ወላዲ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ክግበር ሕቶ ንምቕራብ ቅጥዒ ዝተቐበለሉ፣ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ዓውደ-ኣዋርሕ መዓልታት፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ወላዲ፣ ዝምልከቶም ኣባላት ናይ ጉጅለ IEP፣ ከምኡ’ውን ናይቲ ውሳነ ናይ ምሃብ ስልጣን ዘለዎ ወኪል ናይ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ኣኼባ ክግበር ክጽውዕ ኣለዎ። እቲ ወላዲ ጠበቓ እንተዘይሃልይዎ፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ጠበቓ ናብዚ ኣኼባ ከምጽእ ኣይክእልን እዩ። ዕላማ ናይዚ ኣኼባ እዚ ብዛዕባ'ቲ ጥርዓን ንምዝታይን እቲ ጉዳይ ብዘይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ክፍታሕ ይኽእል ድዩ ኣይከኣልን ንምፍላጥ እዩ።

እቲ ወላድን ኣውራጃ ቤት ትምህርቲን ኣብቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ኣብ ስምምዕ እንተበጺሖም፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ተግባራዊ ዝኽውን ብሕጊ ቀያዲ ውዕል ስምምዕ ክፍርሙ ኣለዎም። ሓዲኦም፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ወይ እቲ ወላዲ ሓሳቦም ንምቕያርን ነቲ ስምምዕ ንምስራዝን ሰለስተ ናይ ስራሕ መዓልታት ኣለዎም።

እቲ ወላድን እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲን ክልቲኦም ነቲ ኣኼባ ንኽገድፍዎ ብጽሑፍ መልክዕ እንተዘይተሰማሚዖም ወይ ኣብ ክንድኡ ሽምግልና ክጥቀሙ እንተዘይተሰማሚዖም፣ እቲ ናይ መፍትሒ ክፍለ ግዜ ናይ ግድን ክካየድ ኣለዎ።

ነቲ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ንምግባር ክሳብ ክንደይ ዝነውሕ ግዜ ይወስድ?

ሓደ ቤት ትምህርቲ ኣውራጃ ነቲ ጉዳይ ብመስርሕ መፍትሒ ኣቢሉ እቲ ወላዲ ብዝዓግበሉ ኣገባብ ንክፍትንን ንኽፈትሖን፣ ካብታ ጥርዓን ዝተቐበለላ ግዜ ጀሚሩ 30 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ኣለዎ። እቲ ኣውራጃ ኣብ ውሽጢ 30 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ከምኡ እንተዘይገይሩ፣ እቲ ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ሰደቓ እዋን ይጅምር። እቲ መጋባእያ ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 45 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ክካየድን ኣብ ውሳነ ክበጽሕን ኣለዎ።

እተን 30 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ናይ መፍትሒ እዋን፣ ሓደ ካብዞም ዝስዕቡ ፍጻመታት እንተ ኣጋጢሙ ይስተኻኸላ:

  • ክልቲኦም ወገናት ነቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ንኽግደፍ ብጽሑፍ መልክዕ እንተተሰማሚዖም
  • ድሕሪ ሽምግልና ወይ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ክልቲኦም ወገናት ብጽሑፍ መልክዕ ዝኾነ ስምምዕ ከምዘይከኣል እንተተሰሚዖም ወይ
  • እቶም ወገናት ካብቲ ናይ 30 መዓልታት ናይ መፍትሒ ኣኼባ ሓሊፎም ኣብ ሽምግልና ክሳተፉ ተሰማሚዖም እንተኔሮም ከምኡ ውን ሓደ ወገን ካብቲ ሽምግልና ምስ ዘንሳሕብ። ኣብዞም ኩነታት እዚኦም፣ እቲ 45 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ናይ ሰደቓ እዋን ብኡንብኡ ይጅምር።

ንውሓት ግዜ ናይቲ መጋባእያ ፍርዲ ንባዕሉ ኣብቲ እቶም ጉዳያት እንታይ ምዃኖምን ነፍሲ ወከፍ ወገን ጉዳዩ ንኸቕርብ ክንደይ ግዜ ክወስድ እዩ ኢሉ ዝሓስቦን ይምርኮስ።

እቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ሓደ ወላዲ ኣብቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ክሳተፍ ድሌት እንተዘይብሉ፣ እቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባን ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያን ሰደቓ እዋን ክሳብ እቲ ኣኼባ ዝካየድ ይደናጐ። ብተወሳኺ፣ ሓደ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ፣ እተን 30 መዓልታት ናይ መፍትሒ ግዜ ድሕሪ ምዝዛመን፣ እቲ ወላዲ ኣብቲ ናይ ውሳነ ኣኼባ ምስታፍ እንተኣቢዩ፣ ነቲ እቲ ወላዲ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ንኽግበር ዘቕረቦ ሕቶ ንኽስረዝ፣ ንሓደ ናይ መጋባእያ ሓላፊ ክሓትት ይኽእል። ብኻልእ ወገን ድማ፣ እቲ ኣውራጃ ቤት ትምህርቲ ካብቲ ነቲ መጋባእያ ክግበር ዝቐረበ ሕቶ ዝተቐበለሉ ኣብ ውሽጢ 15 መዓልታት ናይ መፍትሒ ኣኼባ ንኽግበር መደብ ክገብር እንተዘይክኢሉ፣ እቲ ወላዲ ነቲ ናይ መጋባእያ ሓላፊ እተን 45 መዓልታት ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ሰደቓ እዋን ብቕጽበት ክጅምራ ክሓትት ይኽእል።

ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ሰደቓ-እዋን

 

ወላዲ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ክግበር ብጽሑፍ መልክዕ ይሓትት

ኣውራጃ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት መልሲ ይህብ

ኣውራጃ ኣብ ውሽጢ 15 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ናይ መፍትሒ ኣኼባ ክግበር መደብ የውጽእ፣ እዚ ግን ብጽሑፍ እንተዘይተሓዲጉ ጥራይ እዩ

እቲ ናይ መፍትሒ ኣኼባ ነቲ ጥርዓን ኣብ ውሽጢ 30 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት እንተዘይፈቲሕዎ፣ እቲ ናይ ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ይትግበር እሞ ኣብ ውሽጢ 45 ናይ ዓውደ ኣዋርሕ መዓልታት ናይ መጋባእያ ውሳነ ይወሃብ

“ከምዘለዎ ይቕጽል” እንታይ ማለት እዩ? ተማሃራየይ መጋባእያ ክግበር ክሓትት ከለኹ ናበየናይ ቤት ትምህርቲ እዩ ክኸይድ?

ከምዘለዎ ይቕጽል፣ ማለት ሓደ ተማሃራይ መጋባእያ ፍርዲ ንኽግበር ሕቶ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን ኣበየናይ ቤት ትምህርቲ ከም ዝኸይድ ንምግላጽ IDEA ዝጥቀመሉ ቃል እዩ። መጋባእያ ፍርዲ ንኽግበር ሕቶ እንተቐሪቡ፣ እቲ ተማሃራይ ክሳብ እቲ መጋባእያ ፍርዲ ዝውዳእን ውሳነ ዝወሃብን ኣብ ተመሳሳሊ ምድላው ናይ ውልቃዊ ትምህርታዊ መደቡ ክቕጽል መሰል ኣለዎ። ስንክልና ዘለዎም ተማሃሮ ስነ-ስርዓት ክህልዎም ከሎ ዝተወሰኑ ከምዘለውዎ ንኽቕጽሉ ዝትግበሩ ሕድገታት ኣለዉ።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ፍርዲ ንተማሃራይእንታይ ከበርክት ይኽእል?

እቲ ኣውራጃ ኣገልግሎታት ክህብ፣ ነቲ ተማሃራይ መካሓሓሲ ትምህርቲ ክህቦ፣ ከምኡ’ውን ናይቲ ወላዲ ሕጋዊ ክፍሊት ክኸፍል ክእዘዝ ይኽእል።

ግቡእ መስርሕ መጋባእያ ነቲ ተማሃራይ ግቡእ ኣገልግሎታት ንኽረክብን ብሰንኪ ናይቲ ኣውራጃ ጉድለት ዝጠፍአ ትምህርቲ መተካእታ ንኽረኽበሉ ክሕግዞ ይኽእል። ሓደ ናይ መጋባእያ ሓላፊ ብዛዕባ ብቕዓት ናይ ሓደ ተማሃራይ፣ IEP፣ ኣብ ትምህርታዊ ምድላዋት ዝግበር ለውጢ፣ ከምኡ’ውን ገምጋማትን ዳግመ-ገምጋማትን ንዝፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ክሕግዝ ይኽእል።

እቲ ናይ መጋባእያ ሓላፊ መካሓሓሲ ትምህርቲ ንኽወሃብ ውን ክእዝዝ ይኽእል እዩ፣ እዚ ማለት ብሰንኪ ናይቲ ኣውራጃ ጉድለት ዝጠፈአ ግዜ ወይ ዕድላት ንምኽሓስ እቲ ኣውራጃ ናይ ግድን ኣገልግሎታት ክህብ ኣለዎ። ንኣብነት፣ እቲ ኣውራጃ ንሓደ ተማሃራይ ኣብ ናይ ሕብረተሰብ ኮለጅ ዝወሃብ ስልጠና ንኽሳተፍ ክኸፍለሉ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ፍሉይ መደብ ትምህርቲ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽህብ፣ ወይ ድማ ናይ ክረምቲ መደባት ንኽቕርብ ክእዘዝ ይኽእል እዩ፣ ዋላ እቲ ተማሃራይ ብኻልእ ኣገባብ ንዝተናውሐ ኣገልግሎታት ናይ ዓመተ ትምህርቲ ብቑዕ ኣይኹን።

መካሓሓሲ ትምህርቲ ንምርካብ ዝግበሩ ሕቶታት ምስ ሸቶታትን ዕላማታትን IEP ዝዛመዱ ክኾኑ ይግባእ። መከሓሓሲ ኣገልግሎታት ትምህርቲ ክትሓቱ ከለኹም ፈጠራውያን ኩኑ። ሓደ ተማሃራይ እንታይ ምስራሕ ከም ዝፈቱ (ስነ-ጥበብ፣ ሙዚቃ፣ ስነ-ፍልጠት ወዘተ) ሕሰብ እሞ ነዞም ተመኩሮታት ዝህብ መደብ ወይ ኣገልግሎታት ሓሳብ ኣቕርቡ።

ኣብቲ መጋባእያ ፍርዲ እንተተዓዊትኩም፣ እቲ ኣውራጃ ነቲ ንመጋባእያ ፍርዲ ዘጥፋእክሞ ወጻኢታትን ጠበቓ ንዓኹም ክውክለኩም ዝኸፈልክሞ ክፍሊትን ክኸፍል ክግደድ ይኽእል። ነቲ መጋባእያ ኣብ ምድላው ዘጥፋእክሞ ወጻኢታት ተኸታተልዎ።